<%@ Language=JavaScript %> ብዛዕባ ቋንቋ ኣደ

modersmål skolutveckling


 

ብዛዕባ ቋንቋ ኣደ
 

ደገፍ፡ ትምህርትን ሓገዝ መጽናዕትን

  • ቋንቋ ኣደ፡ ኣብ ናይ ቈልዓ መንነትን ባዕላዊ ስምዒትን ዓቢ ግደ  ኣሎዎ።

  • ቋንቋ ኣደ፡ ንናይ ሓደ ቈልዓ ተኽእሎ ምምሃር መሰረት ኢዩ።

  • ካልኣይ ቋንቋኡን ካልእ ዓይነት ትምህርትን ብቐሊል ኪሃር ወይ ኬጽንዕ ይክእል።

  • ብዙሓት ሰባት፡ ብዝሐ-ቋንቋ ምስ ዚህልዎም ነቲ ሕብረተ-ሰብ ዓቢ ረብሓ ኢዩ።

ደገፍ ቋንቋ ኣደ እንታይ ኢዩ?
ብመምርሒ ስርዓተ-ትምህርቲ ናይ ቅድመ-ትምህርቲ፡ ቋንቋ ኣደኡ ሽወደንኛ ዘይኮነ ቈልዓ፡ ቋንቋ ኣደኡውን ኬማዕብል ዕድል ኪውሃቦ ኣሎዎ ይብል። መምህር ቋንቋ-ኣደ ነቶም ቈልዑ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ይረኽቦም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ መምህርን እቶም ቈልዑን ሓደ ዓይነት ባህላዊ መሰረት ይህልዎም። የጻውቶም፡ የዘምሮም፡ ይስእሉ፡ ይቘርጹ፡ ይጥቅዑ፡ ብቋንቋ ኣደኦም ከኣ ጽውጽዋይ ይነበሎም። እቲ መምህር ቋንቋ-ኣደ፡ ነቶም ተመሃሮኡ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቶም ካልኦት ቈልዑ'ውን ብሓባር  ኬጻውቶምን  መዛሙር ኬዘምሮምን ይኽእል። በዚ መገዲ እዚ ከኣ ነቲ ባህሊ ይትርጉመሎም፡ ነቶም ዚምህሮም ቈልዑ ኸኣ መንነቶም የጽንዓሎም ( የሐይለሎም።)


ቈልዑ፡ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደኦም ካብ ቅድሚ ትምህርቲ ጀሚሮም ኪለማመዱ እንተ ጸኒሖም፡ ትምህርቶም ብዝቐለለ ከም ዚሓልፉዎ፡ ዝተገብረ መጽናዕትታት የረድእ።

እዚ ድማ፡ ኣብ መንጎ ኣብ ቅድመ-ትምህርትን ቤትን ዚዝረብ ቋንቋ ከም ሓደ ድልድል የገልግል።

 

ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ እንታይ ኢዩ?

ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ፡ ኣብ ቀዳማይ ደረጃን ካልኣይ ደረጃን ርእሱ ዝኸኣለ ዓይነት ትምህቲ ኢዩ። እቲ ዕላማ፡ ተመሃሮ ብዝተኻእለ መጠን ካብቲ ዚምሃሩዎ ትምህርቲ ኪጥቀሙን ናይ ሰብ ክልተ ቋንቋ መንነቶምን ክእለቶምን ኬማዕብሉን ኢዩ። እቲ ኣመሃህራ፡ ንተማሃሮ ውልቀ ምዕባለኦም ዜማዕብልን ባዕላዊ ስምዒቶም ዜደልድልን ኪኸውን የድሊ። ንኣመሃህራ ቋንቋ ኣደ ዚምልከት ብዙሕ ሕግታት ኣሎ። ብዛዕባ እዚ፡ ኣብ መዝገብ መምርሒ ( STYRDOKUMENT ) ዚብል ኣርእስቲ ዝያዳ ሓበረታ ኪርከብ ይክኣል።  እቶም ቋንቋ ኣደ ዚምህሩ መምህራንን ተመሃሮኦምን መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሓደ ባህላዊ ጕጅለ ዝመጹ ኢዮም። መምህር ቋንቋ ኣደ፡ ጽቡቕ ፍልጠት ቋንቋ ሽወደንን ሕብረተ-ሰብ ሽወደንን ኪህሉዎ የድሊ።

 

ሓገዝ መጽናዕቲ ብቋንቋ ኣደ እንታይ ኢዩ? (studiehandledning)

ናብ ሃገር ሽወደን ሓደስቲ መጻእቲ ቈልዑን መንእሰያትን፡ ብቋንቋ ሽወደን ትምህርቲ መከታተሊ ዚኽውን ክእለት ቋንቋ ሽወደን ዘይብሎም፡ እቲ ትምህርቲ ብቋንቋ ኣደኦም ኪግለጸሎም ይክኣል'ዩ። እቲ ተመሃራይ ሓገዝ መጽናዕቲ ዜድልዮ ምስ ዚኸውን፡ ወለድን ቤት ትምህርትን ይሰማምዑ። እቲ ተመሃራይ መዓስ ሓገዝ መጽናዕቲ ኪረክብ ከም ዚኽእል ዚውስን እቲ ሓለቓ ቤት ትምህርቲ ኢዩ።

 

 

 

ደገፍ፡ ትምህርትን ሓገዝ መጽናዕትን ቋንቋ ኣደ

ዚፍቀደሉ መን'ዩ?

ኣብ ቤቶም ብዘይካ ሽወደን ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ተመሃሮ፡ ቋንቋ ኣደኦም ኪምሃሩ ይኽእሉ ኢዮም። ንቋንቋ ውሑዳን፡ ዋላ'ውን ኣብ ቤቶም መዓልታዊ ቋንቋ ኣደኦም ዘይዛርቡ እንተዀኑ፡ ቋንቋ ኣደኦም ኪመሃሩ ይኽእሉ ኢዮም። ደቂ ጡብ'ውን፡ ኣብ ቤቶም ቋንቋ ኣደኦም ከም ዘይዛረቡ ርዱእ እኳ እንተዀነ፡ ብቋንቋ ኣደኦም ደገፍን ትምህርትን ኪረኽቡ መሰል ኣሎዎም።

 

ብዝሐ-ቋንቋዊ ትምህርቲ እንታይ ኢዩ?

ብዙሓት ሓደ ዓይነት ቋንቋ ኣደ ዘሎዎም፡ ቈልዑን ተመሃሮን  ዚርከቡዎም ቅድመ ትምህርትታትን ቤት ትምህርትታትን ኣለዉ። ነዞም ቈልዑ እዚኣቶም ቋንቋ ኣደን ቋንቋ ሽወደንን ብማዕረ ዚጥቀሙሉ ጕጅለታትን ክፍልታትን ምቛም ረብሓ ኢዩ። ድርብ ቋንቋ ዘሎዎም ተመሃሮ፡ ቋንቋ ኣደኦምን ፍሉይ ባህላዊ ብቕዓቶምን ዕቑር ሃብቶም ኢዩ። ንዝያዳ ሓበረታ ኣብዚ ጠውቑ።

 

እቶም ሃገራውያን ቋንቋ ውሑዳን (minoritetsspråk) ኣየኖት'ዮም?

እቶም ሃገራውያን ቋንቋ ውሑዳን: ሳሚ (ናይ ላፕላንድ)፡ ሚን ኪይሊን (ኣብ ሰሜን ሽወደን ዚዝረብ ፊኒሻዊ ዲያለክት) ሮማኒ ቺፕን ዝያዳ መሰል ኣሎዎም። ቋንቋ ፊንላንድ'ውን ከም ሃገራዊ ቋንቋ-ውሑዳን ቅቡል ኢዩ። ኵነታት ቋንቋ ውሑዳን ኣብ ሽወደን፡ ምስ ሕጊ ኤውሮጳዊ ሕብረተ-ሰብ ናይ 2001 ብምትዕርራይ ከም ዚሕይል ኰይኑ ኣሎ። ብዛዕባ ቋንቋ ውሑዳን ዝያዳ ሓበረታ ኣብ ጸብጻብ ሃገራዊ ወኪል ትምህርቲ ናይ 2005 ንበቡ።

 

ዑቕባ ሓቱ ቈልዑ (Asylsökande barn)

ንሓተትቲ ዑቕባን፡ ንውሱን ግዜ ዜገልግል ፍቓድ መቐመጢ ዝተዋህቦምን ቈልዑ፡ ዚምልከት ሓዲሽ ሕጊ ካብ ጥሪ 2002 ጀሚሩ፡ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ኣሎ። እተን ቈልዑ ዚቕጡለን ኮሙናት፡ ነቶም ቈልዑ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፡ ቅድመ-ትምህርቲ፡ መጽንሒ ድሕሪ-ትምህርትን ቤት ትምህርትን ልክዕ ከምቲ ንተቐማጣይ ሽወደን ዝዀነ ቘልዓ ዚውሃቦ መሰል ኪህባኦም ሓላፍነተን ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብ nyanlända barn- och ungdomar ንበቡ።

 

ንውላድካ ከመይ ጌርካ ቦታ ትሓተሉ?

ወለዲ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ወይ ኮሙን ከይዶም፡ ነቲ ቘልዓ ደገፍ ብቛንቋ ኣደ ወይ ትምህርቲ ኪሓቱሉ ኣሎዎም። ደገፍ ብቛንቋ ኣደን ትምህርቲ ብቛንቋ ኣደን ዚሓቱ፡ ወለዲ ደኣ እምበር ሰራሕተኛታት ቅድመ-ትምህርትን ቤት ትምህርትን ኣይኰኑን። ግን ሓልዮት ቈልዑን (BARNOMSORG) ቤት ትምህርትን፡ መዓስን ከመይ ጌርካን ከም ዚሕተት፡ ንወለዲ ኪሕብሩ ኣሎዎም። ደገፍ ብቛንቋ ኣደን ትምህርቲ ብቛንቋ ኣደን ብድሌትካ ዚግበርን ዘይክፈሎን ኢዩ።

 

ደገፍ፡ ትምህርትን ሓገዝ መጽናዕትን ሓላፍነት መን'?

ንሓልዮት ቈልዓን ቤት ትምህርትን ቀንዲ ሓላፍነት ዘሎዎ እቲ ኮሙን ኢዩ። እቲ ኮሙን፡ ነቲ መንግስቲ ዝገበሮ መምርሕታት ምእንቲ ኪብጻሕ፡ ነቲ ዕዮታት ከመይ ገይሩ ኬመሓድሮ ከም ዚኽእል ኪውስን ምሉእ ነጻነት ኣሎዎ። ኣብቲ ኮሙን እንተ ወሓደ ሓሙሽተ ተመሃሮ ምስ ዚህልዉን፡ ብቑዕ መምህር ኪርከብ ምስ ዚክኣልን፡ እቲ ኮሙን ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ ኬዳሉ ሓላፍነት ኣሎዎ። ዚኣክል ጕጅለ  ኪቐውም መታን ኪክኣል፡ ዝተፈላለያ ኣብያተ ትምህርቲ ምትሕብባር ኪገብራ ይኽእላ።

 

ምምሕዳር ኣብ ቅድመ-ትምህርቲ

ኮሙናት፡ ሓልዮት ቈልዑ፡ ነቲ መደብ ትምህርቲ ኣብ ሸቶኡ መታን ኬብጽሑዎ፡ ጥጡሕ ባይታ ኪፈጥሩሎም ሓላፍነት ኣሎዎም። ምዕባለን ትምህርትን ናይ ሓደ ቘልዓ ምስ ወለዲ ብቐረባ ብምትሕብባር ኪዕወት ይኽእል። መምህር ቋንቋ-ኣደ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ናብ ቅድመ-ትምህርቲ ብምምጻእ ካብ ክልተ ክሳብ ሽዱሽተ ሰዓት ምስኣቶም ይዓዪ። ኣብ ግብሪ ኪርአ ከሎ፡ ነቲ ደገፍ ብቛንቋ-ኣደ ንምርካብ ዘሎዎም መሰል ዚጥቀሙሉ ሓደ ዕስሪት ጥራይ ኢዮም። ብዝሒ ደገፍ ብቛንቋ-ኣደ ዚረኽቡ ቈልዑ፡ ካብ ኮሙን ናብ ኮሙን ኣዝዩ ይፈላለ።

 

ምምሕዳር ኣብ ቀዳማይ ደረጃ

ብመሰረት ሕጊ ትምህርቲ፡ ኮሙናት ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ ኪቕርቡ ግዱዳት ኢዮም። ንትምህርቲ ዚውሃብ ግዜ ካብ ኮሙን ናብ ኮሙን ይፈላለ። መብዛሕትኦም ተመሃሮ ኣብ ሰሙን ሓደ ሰዓት(60 ደቓይቕ) ቋንቋ-ኣደኦም ኪምሃሩ ይፍቀደሎም። ኣብ ቀዳማይ ደረጃ፡ እቲ ትምህርቲ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኪመሓደር ይኽእል።

 

1.          ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ከም ምርጫ ቋንቋ(språkval)

       ( ካብ 6ይ - 9ይ ክፍሊ)

ኣብ ክንዲ ካልእ ሓዲሽ ቋንቋ፡ ተመሃሮ ቋንቋ ኣደኦም ኪምሃሩ ይኽእሉ። እቲ ትምህርቲ ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ሰዓታት ይኣቱ። ኣብቲ ልሙድ ሰዓታት ትምህርቲ ከኣ ይውሃብ። ከም ሕጊ፡ እቲ ሰዓታት ካብ 6ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ዘሎ ግዜ ይምቀል። ኣየናይ ቋንቋ ከም ምርጫ ቋንቋ ከም ዚቐርብ ዚውስን፡ ክንደይ ዚኣኽሉ ተኻፈልቲ ተመሃሮ ከም ዘለዉ ብምርኣይ፡ ሓለቓ ቤት ትምህርቲ ኢዩ።

 

2.         ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ከም ምርጫ ተመሃራይ (elev val) (1ይ - 9ይ)
ኣብ ቀዳማይ ደረጃ፡ ቤት ትምህርቲ ንሓደ ተመሃራይ ዝመረጾ ዓይነት ትምህርቲ ኪምሃር፡ ዕድል ኪህቦ ኣሎዎ። ከከም ምርጫ ተመሃራይ፡ እቲ ተመሃራይ፡ ካብቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዚውሃብ ዓይነት ትምህርቲ፡ ብሓደ ወይ ብብዙሓት፡ ፍልጠቱ ኬዕምቝ ኪኽእል ኣሎዎ። እቶም ዚደልዩ፡ ቋንቋ ኣደኦም ኪመርጹ ይኽእሉ። እቲ ሓለቓ ቤት ትምህርቲ፡ ብዝሒ ኪካፈሉ ዚደልዩ ተመሃሮ ብምርኣይ፡ ኪውሃብ ወይ ከይውሃብ ይውስን።

 

3.                     ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ከም ምርጫ ቤት ትምህርቲ (1ይ - 9ይ)

ኣብቲ መደብ ትምህርቲ'ውን ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ ከም ምርጫ ቤት ትምህርቲ ክትጥቀመለን እትኽእል ገለ ሰዓታት ኣለዋ። እዘን ሰዓታት እዚኣተን ንሓደ ወይ ብዙሓት ዓይነት ትምህርቲ መምሃሪ ክትጥቀመለን ይክኣል። እዚ ኸኣ ነቲ ቤት ትምህርቲ ፍሉይ መልክዕ ይህቦ። ኣብ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ከም ምርጫ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ምምሃር'ውን ይክኣል ኢዩ።

 

4.                       ትምህርቲ ቋንቋ-ኣደ ካብ መደብ ትምህርቲ ወጻኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ኵሉ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚውሃብ ትምህርቲ፡ ካብቲ መደብ ወጻኢ ቋንቋ ኣደ ክትምሃር ይክኣል ኢዩ። እቲ ናይ ትምህርቲ ሰዓታት በተን ኮሙናት ይውሰን።

 

 

ምምሕዳር ኣብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ (särskolan)

ኣብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ ዚምሃሩ ተመሃሮ እውን ትምህርቲ ቋንቋ ኣደን ሓገዝ ትምህርቲ ብቋንቋ ኣደን ኪውስዱ ይኽእሉ ኢዮም። ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ከም ምርጫ ተመሃራይ ወይ ካብ መደብ ትምህርቲ ወጻኢ ኪወስዱዎ ይኽእሉ። ኣብ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ፡ ንኣመሃህራ ቋንቋ ኣደ ዚምልከት ፍልይ ዝበለ መደብ ትምህርቲ ኣሎ። እቲ ትምህርቲ ንነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ በብናቱ ይቕረብ። 

 

ምምሕዳር ኣብ ካልኣይ ደረጃ (gymnasieskolan)

መንእሰያት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኪምሃሩ ምስ ጀመሩ፡ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ኪቕጽሉ ይኽእሉ ኢዮም። ነቲ ትምህርቲ ከም ብሕታዊ ምርጫ፡ ምርጫ ቋንቋ፡ ወይ ከኣ ከም ካብ መደብ ትምህርቲ ወጻኢ ዝዀነ ተውሳኺ ትምህርቲ ኪወስዱዎ ይኽእሉ። እዚ ትምህርቲ እዚ 250 ነጥቢ የውህብ። እተን ኮሙናት፡ ኣብ ብዝሒ ተመሃሮአንን ትሕዝቶአንን ተመርኲሰን ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ይቕርባ።

 

ምትሕብባር ኣብ መንጎ ስድራ ቤትን ቤት ትምህርትን

ቈልዑ፡ ኣብ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ዘሎዎም ኣረኣኣያ ኣብ ናይ ስድራን ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርትን ኣዎንታዊ ደገፋት ዝተመርኰሰ ኢዩ። ኣብ መንጎ ቤትን ቤት ትምህርትን/ ሓልዮት ቈልዓን ምትሕብባርን ኣዎንታዊ ሃዋህው ምፍጣርን ኣድላዪ ኢዩ። ከምኡ'ውን ሓልዮት ቈልዓን ቤት ትምህርትን ዝርርብ ምዕባለ (utvecklilgssamtal) እንወሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ተርሚን ኬዳልዉ ግዱዳት ኢዮም። ኣብዚ ዝርርብ ምዕባለ፡ ሰራሕተኛታትን ቈልዓን ወለድን ይካፈሉ። እቲ ቈልዓ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ዚምሃር ምስ ዚኸውን ድማ፡ እቲ መምህር ቋንቋ ኣደ: ኪካፈል ባህርያዊ ኢዩ፡ ግን እቲ መምህር ተርጓማይ ኪኸውን ማለት ኣይኰነን። ስድራቤታት መመላእታ ናይቲ ዝርርብ ምዕባለ ዚኽውን ሓበሬታ ብጽሑፍ ኪሓቱ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ቀዳማይ ደረጃ፡ ወረቐት ምስክር ዚውሃብ ብ 8ይ ክፍሊ ኢዩ።

 

ተመለስ



Ansvarig för sidan: Minya Tseggay
mitse@bredband.net
Sidan uppdaterad 2006-02-13